PROTONRESAN
(ናይ ፕሮቶን ፍወሳ ጉዕዞኻ)

ንሕክምና ፕሮቶን ጨረርታ ኣብ ኣፕሳላ ክጸንሑ ንዝሓስቡ ህጻናትን ስድራቤቶምን ናይ ቨርቹዋል ምብጻሕ

Protonresan ንሕክምና ጨረርታ ፕሮቶን ንዝመጹ ህጻናትን ስድራቤቶምን ንምድላው ዝሕግዝ መንገዲ እዩ። ብSkandionkliniken፡ Ronald McDonald Hus፡ Akademiska barnsjukhusetን ምወላ መንሽሮ ህጻናት ሽወደንን ብሓባር ዝተዳለወ እዩ።

ብመንገዲ Protonresan ኣቢልና ሓበሬታ ክንህበካን ኣብ Skandionkliniken ንሕክምና ጨረርታ ፕሮቶን ኣብ እትዳለወሉ እዋን ፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ኣብ Ronald McDonald Hus ምጽናሕን ናብቲ ቤት ትምህርቲ ሆስፒታልን ናይ ፍወሳ ጸወታን Akademiska barnsjukhuset ምምጻእን፡ ዝያዳ ርግኣት ክስምዓካ ክንሕግዘካን ንድሊ።

Protonresan ብመንገዲ እቶም ኣብ ሽዱሽተ ናይ ህጻናት ማእከላት ሕክምና መንሽሮ ሽወደን ዝርከቡ ናይ VR ናውቲ መስምዒ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ገዛኻ ብመንገዲ ስክሪን ኮምፒተርካ ወይ ታብለት/ቴለፎንካ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብዚ ቪድዮታት ክትከታለን ብዘይ ናይ VR ናውቲ መስምዒ ኣብ Protonresan ክትሳተፍን ትኽእል ኢኻ። ነተን ቪድዮታት ንምድህሳስ፡ ነቲ ኣብ ላዕለዋይ ጸጋማይ ኩርናዕ ዘሎ ናይ መዳህሰሲ ምልክት ብናይ ኮምፒተርካ ጠቋሚ፡ ወይ ኣጻብዕትኻ ኣብ ታችፓድ ብምንቅስቓስ ክትጥቀም ትኽእል።

ምዕራፍ 1 – መእተዊ

እዚ ምዕራፍ እዚ ናብ ኣፕሳላ እንቋዕ ደሓን መጻእካ ብምባል ኣብ እዋን ሕክምና ኣብ ኣፕሳላ ብዛዕባ ክትበጽሖም እትኽእል ቦታታት ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ይህበካ።

 

ምዕራፍ 2 – Ronald McDonald Hus

ኣብ’ዚ ምዕራፍ’ዚ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ እዋን ሕክምና ኣብ ኣፕሳላ ዝጸንሑሉ መዕረፊ Ronald McDonald Hus ክትርኢ ኢኻ። ኣብ’ቲ ገዛ ንዘሎ ናይ ብሕትን ናይ ሓባርን ቦታታት ክትዕዘብ ኢኻ።

ምዕራፍ 3 – Akademiska barnsjukhuset

ኣብ’ዚ ምዕራፍ’ዚ ኣብ ኣፕሳላ ኣብ እትሕክመሉ እዋን ብሕክምናዊ መዳይ ሓላፍነት ዝስከም ሆስፒታል ህጻናት፡ Akademiska barnsjukhuset ክትዕዘብ ኢኻ።

 
 

ምዕራፍ 4 – Skandionkliniken

እዚ ምዕራፍ ናይ ፕሮቶን ጨረርታ ሕክምና ዝካየደሉ ከባቢ ንዝኾነ Skandionkliniken የርእየካ። እቲ ሕክምና ብኸመይ ከም ዝፍጸም’ውን የርኢ እዩ።

ምዕራፍ 5 – ቤት ትምህርቲ ሆስፒታል

እዚ ምዕራፍ ብቐንዱ ን 7 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም ህጻናት እዩ።

ኣብዚ ምዕራፍ እዚ ንኣብ Akademiska barnsjukhuset ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ሆስፒታል ክትርኢ ኢኻ። ህጻናትን መንእሰያትን ኣብ ኣፕሳላ ኣብ ዝሕከሙሉ እዋን ካብ ቀዳማይ ክፍሊ ክሳብ መወዳእታ ዓመት ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብዚ ቤት ትምህርቲ ክመሃሩ ይኽእሉ።

 
 

ምዕራፍ 6 – ናይ ጸዋታ ፍወሳ

እዚ ምዕራፍ ብቐንዱ ን 6 ዓመትን ትሕቲኡን ዝዕድሚኦም ህጻናት እዩ።

እዚ ምዕራፍ እዚ ኣብ Akademiska barnsjukhuset ምስ ዝርከብ ናይ ጸዋታ ፍወሳ የላልየካ። ኩሎም ህጻናትን ወለዶምን ኣብ ኣፕሳላ ኣብ እዋን ሕክምና ኣብ ናይ ጸወታ ፍወሳ ክሳተፉ ይኽእሉ እዮም።

ምዕራፍ 7 – ሓፈሻዊ ትሕዝቶ

እዚ ምዕራፍ እዚ ብዛዕባ ኣፕሳላን ኣብ እዋን ሕክምናኻ ክትበጽሖም እትኽእል ቦታታትን ካልእ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ይህበካ።

 

ብዛዕባ Protonresan (ናይ ፕሮቶን ፍወሳ ጉዕዞኻ)
ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ንሓኪም ውላድካ ወይ ኣማኻሪት ነርስ ኣዘራርብ።

ሕቶታትን መልስታትን